الاثنين، 21 أكتوبر 2019

ዱዓ: ምስ ረቢ ንራኸበሉ ኣገባብ!

Dar Selam Dawa إلى ናብ ረቢ ንመለስ
ዱዓ: ምስ ረቢ ንራኸበሉ ኣገባብ!
ዱዓ ረቢ (ሱ.ወ) ሓደ ካብ ናይ ዒባዳ ኣገባብ ጌሩልና:: ዱዓ: ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ረብን ቀጥታዊ ንራኸበሉ ቀንዲ ናይ መራኸቢ መሳረሒ እዩ:: ንሕና ከም ሰባት መጠን ጎደሎ ስለዝኾና ኩሉ ድልየታትና ካብቲ ምሉእ ዝኾነ ረቢ ኢና ንደልዮ: ብዱዓ ድማ ነገራትና ክማላኣልና ንረቢ ንሓትት:: ረቢ ከኣ ብዱዓ እንሓቲትናዮ ክቕበለልና ምዃኑ ቃል ኣትዩልና እዩ:: ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል:- ’’ በሎም ኢኻ (ኦ ሙሓመድ) ናባይ ዱዓ ግበሩ: ኣነ ድማ ዱዓኹም ተቐቢለ ክምልሰልኩም እየ:: ’’ ከምኡ’ውን ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣገዳስነትን ጥቕምን ናይ ዱዓ ብተደጋጋሚ ነጊሮምና እዮም:: ኣብ ሓደ ሓዲስ ከኣ ከምዚ ይብሉ:- ’’ንረቢ ካብቲ ምሕረቱ ሕተትዎ: ምኽንያቱ ረቢ ዱዓ ጌሩ ዝሓቶ ሰብ እዩ ዝፈቱ ኢሎም::’’
ዱዓ ጌርና ረቢ ክቕበለልና ምእንቲ ከነማልኦ ዝግበኣና ነገራት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል:-
ዱዓ ክንገብር እንከለና ብምሉእ ልብና ንያና ኣጽሪና ክንገብር ኣለና:
ዱዓ ጌርና ረቢ ክቕበልለና ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ይግበኣና:
መኽሰብና ካብ ሓራም ክኸውን የብሉን:
ኣብ እስልምና ፍቑድ ዝኾነ ነገር ጥራይ ንረቢ ክንሓትት ኣለና
ንምንታይ ረቢ ዱዓና ዘይተቐበለልና ኢልና ክንህወኽ የብልናን:
ኣብ ዝኾነ ግዜን ዱዓ ክንገብር እኳ ንኽእል ኣንተኾና ግን ዝተወሰነ ግዜ ኣሎ ኣንተደኣ ኣብዚ ግዜ ዱዓ ጌርና ረቢ ከምዝቕበለልና ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ነጊሮምና:-
ኣብ ግዜ ለይቲ ካብ ድቃስካ ተሲእካ ትገብሮ ዱዓ:
ድሕሪ ኣዛንን ኣብ ሞንጎ ኣዛንን ኢቓማን:
ድሕሪ ሰላት (ፈርዲ) ምስ ሰገድና:
ኣብ ዓራፋ ኮንካ ትገብሮ ዱዓ
ኣብ ግዜ ሮሞዳን
ቁርኣን ድሕሪ ምኹታምካ (ምውዳእካ) ትገብሮ ዱዓ
ማይ ዘምዘም እናሰተኻ እንከለኻ ትገብሮ ዱዓ:
ዱዓ ኣብ ንገብረሉ ግዜ ድማ ገለ ገለ ኣገባባት ኣሎ ከነተግብሮ ዝግበኣና:-
ዱዓ ክንገብር ኢልና ኣብ ንሓስበሉ ዉድእ እንተገበርና ዝበለጸ ይኸውን:
ናብ ቂብላ ገጽና ኣንፈትና ክንገብር:
የእዳውና ንላዕሊ ሓፍ ከነብል:
ዱዓና ንረቢ ብምምጋስንን ንረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ሰላት ዓለ-ነብይ ብምግባርን ክንጅምሮ:
ንረቢ ካብቲ ብዙሕ ኣስማቱ እንዳጸዋዕና ዱዓ ክንገብር (ኣስማኡላሁል ሑስና):
ብመጀመርታ ንነብስና ብድሕሪኡ ንኻልኦት ዱዓ ክንገብረሎም:
እንሻኣላህ ካብቶም ረቢ ዱዓኦም ዝቕበለሎም ክገብረና ንሓደ ኣላህ ንልምን ኣሜን!!

ليست هناك تعليقات:

إرسال تعليق