الجمعة، 25 يونيو 2021

ጥቕሚ መዓር

 Dar Selam Dawaናብ ረቢ ንመለስ

ጥቕሚ መዓር
1. ጽሩይ መዓር ብቫይታሚንን ብኻልኦት ንሰውነትና ዘድልዩ ሃለኽቲ ዝሃብተመ ብምዃኑ እዞም ቫይታሚንን ሃለኽትን ብሓባር ኮይኖም ንዝተፈላለዩ ባክተርያ ይከላኸሉልና።
• መዓር ንሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕምና ይድርዓልና።
• ሰዓል ወይ ጉንፋዕ ኣብዝሕዘና ግዜ 1 ወይ 2 ማንካ መዓር ብዝፈልሐ ማይ ምስ ቃርፋን ቁሩብ ጽማቕ ለሚንን ሓዊስና ምስ ንሰቲ ንእለት ይሕሸናን ካብ ምስዓል ንገላገልን።
2. ኩሉ ግዜ ንግሆ ተሲእና ቅድሚ መግቢ ምብላዕና ዝፈልሐ ማይ ምስ 2 ማንካ መዓርን ጽማቕ ለሚንን ንሰቲ እንተዄና ኣብ ውሽጢ ነብስና ዝርከቡ ዘየድልዩ ርስሓትን ቅባትን ይሓጽበልና። ንኽብደት ሰውነትና ምቕናስ ውን ብዙሕ ይሕግዘና።
3. መዓር ምስ ቃርፋ ሓዊስና ንወስዶ እንተዄና ንመጠን ኮለስትሮን ብ 10% ክንቕንስ ይኽእል። ብዘይ ምቁራጽ ኩሉ ግዜ ኣከታቲልና ንወስዶ እንተዄና ድማ ንተጻብኦ ህርመት ልቢ (ልቢ ድኻም) የጉድሎ።
• ኣጠቓቕምኡ 1 ማንካ መዓር ምስ ½ (ፍርቂ) ማንካ ቃርፋ ሓዊስና ብዝፈልሐ ማይ ንሰትዮ።
4. መዓር ካብ ናይ ቡን ዘይንእስ ኣካላትና ናይ ምንቕቓሕ ተኽእሎ ኣለዎ።
5. መዓር ንቖርበትና ፍሉይ ልስላሰ ይህቦ።
• መዓር ንተውሳስን ናይ ቆርበት ባክተርያን ንምክልኻል ስለዝኽእልን ንብዙሓት ናይ ቆርበት ሕማማት መፍትሒ ዝኾነ መግቢ እዩ።
• ኣብቲ ዝተጎድአ ክፋል ቆርበትና መዓር ተለኺና ሓዲርና ንግሆ ብጽሩይ ማይ ምስ ንሕጸቦን ፣ ነዚ ኣገባብ
ደጋጊምና ምስ እንጥቀም ልስሉስን ጽሩይን ቆርበት ይህልወና።
6. ምምጋብ መዓር ንጸገም ምሕቃቕ መግቢ የጉድል።
ከበድቲ መግቢ ቅድሚ ምምጋብና 1 – 2 ማንካ-ጣውላ መዓር ምስ ንበልዕ ወይውን ምግቢ ተመጊብና ምስ ወዳእና ምስ ዝኸብደና ፣ ድሕሪ መግቢ ምስ እንወስዶ ነቲ ዝኸበደና መግቢ ቀልጢፉ የሕቅቐልና
ምንጪ - Health Report

ليست هناك تعليقات:

إرسال تعليق